12 እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን።
ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ ዝተቐደሰ ገንዘብ፥ ስለ ነፍሱ ዋጋ ዘቕርቦ ገንዘብን፥ ብፍቓድ ልቦም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቲ ህዝቢ ኽቝፀር እንተሎ ዝኸፍሎ ገንዘብን፥ እቲ ሰብ ብመብፅዓን ብድልየቱን ዝኸፍሎ ገንዘብን ኣክብዎ።
እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ።
ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ።
ሽዑ እቲ ኻህን ብቝፅሪ እተን ክሳዕ ዓመት ኢዮቤልዩ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይኽፈል። እቲ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።