11 እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ።
ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ።
እቲ ኻህን ድማ፥ ንፁህ እንተ ኾይኑ ወይ ዝረኸሰ እንተ ኾይኑ፥ ይገምግሞ። ዋጋኡ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝገመቶ ይኹን።
ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”
ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።