10 ነቲ ሰናይ ብሕማቕ፥ ነቲ ሕማቕ ድማ ብሰናይ ኣይለውጥ፤ ወይ ኣይተክእ። ሓደ እንስሳ ብሓደ እንስሳ እንተ ለወጠ ግና፥ እቲ ቐዳማይን እቲ መላውጡን ዝተቐደሱ ይኾኑ።
እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት እያ እሞ፥ ካብኣ ኣይሽጡ ኣይለውጡውን፤ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ፥ ናብ ካልእ ኣይትሕለፍ።
እቲ ዝተመባፅዖ ኻብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይቐርቡ ርኹሳት ዝኾኑ እንስሳ እንተ ኾነ ኸዓ፥ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ።
እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ።