43 ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።
ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ።
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
“እንሆ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝግስፆ ሰብስ ብፁእ እዩ፤ ስለዙይ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተግሳፅ ኣይትንዓቕ።
ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።
ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።
ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ካባኻ ምስ ረሓቕኩ፥ ተናሳሕኹ፤ ምስ ተፈለጠኒ ኸዓ ምሕኹልተይ ወቓዕኹ፤ ፀርፊ ንእስነተይ ተሸኪመ እየሞ፥ ሓፈርኩ፤ ሓነኽኩውን’ ኢሉ፥ እንትበኪ ሰማዕኹ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዅሉ ፃድቕ እዩ እሞ፤ ንሕና ግና ቓልካ ኣይሰማዕናን። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ነዝ መዓት እዙይ ኣምፃእኻልና፤ ኣብ ልዕሌና ኻብ ምምፃእውን ኣይትምለስን።
ማሕደረይ ኣብ ማእኸልኩም ክገብር እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣይፅየፈኩምን እየ።
ሕግጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም፥ እሞ ዅሉ ትእዛዛተይ ከይትፍፅሙ ፍርድታተይ እንተ ዘይተቐቢልኩም፥ ኪዳነይ ከዓ እንተ ኣፍሪስኩም፥
ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።
ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥
ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ።
ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ።
እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
ሓይሎም ከም ዝደኸመ፥ እተዓፅወን እተሓደገን ከም ዘየሎ ምስ ረአየ፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ፤ ንባሮቱ ኸዓ ኽርህርሀሎም እዩ።