3 ብሕግጋተይ እንተ ኼድኩም፥ ትእዛዛተይ ከዓ እንተ ሓሊኹም፥
ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ።
እሺ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዚዝኩምንን ግና፥ በረኸት ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።
ኣብ ቤተይ መብልዕ ምእንቲ ክኸውንስ፥ ንዅሉ ኣስራት ናብ ቤተ መዛግብቲ ኣእትዉ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ነዝ ትእዛዛት እዙይ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹምዎን እንተ ሓሊኹምዎን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ኪዳኑን ምሕረቱን ክሕልወልኩም እዩ።
“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።