22 ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።
ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።
ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ።
በቲ ዘመን እቱይ ንዝወፅእን ንዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ዓብዪ ራዕዲ ነበረ።
ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።
ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥
ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥ መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤ ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤ ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ። ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤ ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።
“ብሰንኪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብኣኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእኸል እታ ሃገር እንተ ሰደድኩ፥
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥
ኣነ ነታ ምድሪ እቲኣ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ፤ እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ፤ እምባታት እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዘይብሉ ኾይኑ ኽባድም እዩ።
ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።”
ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”
ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤ ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።
ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥ ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤ ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።