1 ነኣኻትኩም ጣዖታት ኣይትግበሩ፤ ምስሊ፥ ወይ ሓወልቲ ኣይተቑሙ፤ ክትሰግዱሉ ኢልኩም ድማ ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ምድሪኹም ኣይትግበሩ፤ ኣምላኽኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ።
ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ።
ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ።
ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ።
“ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም።
ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ። ንሳቶም ካብ ግብፂ ዘውፃእኽዎም ባሮተይ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
የማነይቲ እግሪ፥ ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደምን ስብሕን ናይቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ እንስሳ ዘቕርብ ግደ ይኹን።
ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ስጐጕዎም፤ ኵሉ ብእምንን ብሓፂንን ዝተሰርሐ ምስልታቶም ሰባብሩ። ኵሉ ሰፈራት ኣምልኾኦም ኣፍርሱ።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
ብእግዚኣብሄር ዝተፀልአ፥ በእዳው ብልሓተኛ ዝተገብረን፥ ዝተወቕረን፥ ብፍሲ ምስሊ ዝተገብረን፥ ሓቢኡ ኸዓ ዘንብሮ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።
እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ።