8 ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ።
ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም።
ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም።
እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ።
ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና።
ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር።
“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።