Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 24:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 24:5
18 Referencias Cruzadas  

ኤልያስ ድማ፥ ሽምካ እስራኤል ክበሃል እዩ፥ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሉ ያእቆብ፥ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ወሰደ።


ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ።


ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም።


ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም።


ንኣምልኾ ኣምላኽና ዝውዕል ሕብስቲ ቝርባንን፥ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ ብልዕን፥ ነቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ናይ ሰናብትን ናይ ሰርቀ ወርሕን፥ ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን፥ ንስርየት ሓጢኣት እስራኤል ዝኸውን መስዋእትን፥ ንቤተ መቅደስ ዘድሊ ኻልእ ነገርን ክንህብ ኢና።


“ንሕና ካህናትን ሌዋውያንን ህዝብን፥ ከም ቤት ኣቦታትና ብዝተወሰነ ጊዜ በብዓመቱ፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኣምፂእና፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓዊ ምእንቲ ኽነድድ፥ ዕንፀይቲ ዘምፅእ መን ምዃኑ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ዕፃ ኣውደቕና።


ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር።


ነቲ ጠረጴዛ ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ሕብስቲ ቝርባንን፥


ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።


ነቲ ጠረጴዛ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፥ እቲ ኣብኡ ዝቕመጥ ኣቑሑ ስርዐሉ። ቀዋሚ ቐንዲል ኣእቲኻ ኸዓ፥ እቲ ቐናዲሉ ኣንብረሉ።


“ነቲ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ጠረጴዛ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ። ኣብኡ ኸዓ ሒላባትን ውንጭሕትታትን ፅዋዓትን እቶም ንመስዋእቲ መስተ ዝኾኑ ዅስኵስትታትንውን ይስርዑ፤ እቲ ዅልሻዕ ኣብኡ ዘንብርዎ ሕብስቲ ቝርባን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።


እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤


ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።


ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።


እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos