3 ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
ኣብቲ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ፅላት ሒዙ ዘሎ ታቦት፥ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት፥ ነቲ መብራህቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ዝበርህ ይግበርዎ። እዙይ ኣብ ደቂ እስራኤል፥ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን።
እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም።
ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ።
ስብሒን ደምን ኣይትብልዑ፤ እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን።
“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።
ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ ድንኳን ደቂሱ ነበረ። እታ ኣብ ድንኳን እትበርህ መብራህቲ ኸይጠፍአት እንተላ፥