2 እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም።
ንግሆን ምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእትን ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣንን የዕርጉ ኣለዉ፤ ኣብቲ ኸም ስርዓት ፅሩይ ዝኾነ ጠረጴዛ፥ ሕብስቲ ቝርባን የቕርቡ ኣለዉ፤ ምሸት ምሸት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ መቕረዙ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናውን ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንሕሉ ኣለና፤ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም።
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ፤ ንህፃናት ድማ መስተውዓልቲ ይገብሮም።
ነቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ ቀንዲሉ፥ ኵሉ መሳርሒኡን ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይትን፥
ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ ድንኳን ኣንበሮ።
ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።
መንፈስ እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”
“ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን።
ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።