10 እኖኡ እስራኤላዊት ኣቦኡ ድማ ግብፃዊ ዝኾነ ሰብኣይ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሰ።
ምስኣቶም ድማ ኻልእ ዝዓሌቱ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ ኸደ፤ ከምኡውን ኣባጊዕን ከፍትን የመና ብዙሓት ጥሪትን ምስኣቶም ወፁ።
ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።)
ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ።
እቲ ኣብ መንጎኣቶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ህዝቢ ህርፋን ሓዞ፤ ደቂ እስራኤልውን ይበኽዩ ነበሩ፤ “እንበልዖ ስጋ መን ምሃበና? በሉ።