9 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
“ናይቲ ኣብ ግራትካ ዝዘራእኻዮ መጀመርታ ፍረ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ በዓል ዓፂድ ኣብዕል። “ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ።
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።