8 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ።
ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን።
በዘን ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ድማ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን፥ ኣብ ፀፅባሕ እዘን ሸውዓተ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ከዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዲበላ ኸቕርብ እዩ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።