Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 23:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 23:6
9 Referencias Cruzadas  

ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።


“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።


“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”


ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።


ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos