5 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
“በታ መጀመርታ ወርሒ ኻብታ ወርሒ፥ ከዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፤ ቅጫውን ክትበልዑ ኢኹም።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ፥ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።
በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።
እታ በጊዕ ፋሲካ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በፅሐት።
ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ።