11 ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ።
ነዙይ ኣብ ግምባር ኣሮን ግበሮ። ኣሮን ድማ ነቲ ደቂ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ውህብቶ ዅሉ ኸቕርቡ እንተለዉ ዝገብርዎ በደል ይፁር። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበሎም ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ግምባሩ ይፁሮ።
ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።
ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ ሓኸለን እግርን ግቡእኻን ግቡእ ደቅኻን ኮይኑ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንፁህ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ።
በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ጡበት በጊዕ ሰውኡ።
ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ።
ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።