7 ፀሓይ ምስ ዓረበት ግና ንፁህ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ።
ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ።
ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን።
ክንበልዕን ክንሰትንዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?