5 ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ።
ኵሉ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዝንቀሳቐስ፥ ኵሉ ኻልእ ነፋሪ ለመም ዝብል ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ፥ ደም ካብ ሰብነታ እንተ ፈሰሰ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ እያ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”