Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 22:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 22:3
10 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ።


መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።


ካብ ገፅካ ኣይትደርብየኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ።


እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”


ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


ሬሳ ሰብ ዝነኽአ እሞ ዘይነፅሀ፥ ንመሕደሪ እግዚኣብሄር ስለ ዘርከሰ፤ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። እቲ ማይ ምንፃህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነፀጎ ርኹስ እዩ፤ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።


“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤


ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos