1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ሙሴ ድማ እዙይ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነገሮም።
ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
“ኣብ ርእሲ እዙይ እቲ ኻብ መባኦም ዝለዓል ፍሉይ መስዋእትን፥ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን፥ ንኣኻን ነወዳትካን ነዋልድካን ስርዓት ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ይብልዓዮ።”