7 ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም።
ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።
ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።