6 ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ።
ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝተቐደስኩም ኢኹም፥ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናይ ፍቓድ ውህብቶ እዩ።
እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ።
“ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከዓ ኻህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ ኽቕድሶም እየ።
ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።
እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።
ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፥ ብስመይ ብሓሰት ኣይትምሓል፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከዓ ኸሕስርን፥ ካብ ደቁ ንጣዖት ሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ኸጥፍኦ እየ።
ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ብዝመፅእ ትውልዲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ኣካል ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኽስውእ ኢሉ ኣይቕረብ።
ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኸቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።
እንተ ኾነ ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መቕደሰይ ኣየርክስ፤ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፤ ናብ መሰውኢውን ኣይቕረብ፤ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።
እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።
ንደቂ እስራኤል፥ ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ መባአይ፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸቕርቡለይ ኣዝዞም።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።