2 ቀረባ ዘመዱ፦ እኖኡ፥ ወይ ኣቦኡ፥ ወይ ወዱ፥ ወይ ጓሉ፥ ወይ ሓዉ፥
ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ።
ወይ ኣብ ገዛኡ እትነብር ድንግል ዘይተመርዐወት ሓፍቱ፥ ክሞቱ እንተ ዘይኮኑ፥
ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።