Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 21:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እቲ ኣብ ኣሕዋቱ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣብ ርእሱ ቕብኣት ዘይቲ ዝፈሰሶ፥ ናይ ክህነት ኣልባስ ክለብስ ድማ ዝተቐደሰ፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ካህን፥ ርእሱ ኣይቕላዕ፤ ክዳኑውን ኣይቕደድ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 21:10
18 Referencias Cruzadas  

ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።


ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።


መርዶክዮስ ናብ ደገ ንጉስ ተመለሰ፤ ሃማ ግና ጕህዩ ርእሱ ተጐልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።


ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።


ካብ ርእሲ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኸም ዝፈስስ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኣሮን፥ ክሳዕ መደረብያ ኽዳኑውን ከም ዝወርድ ሽቱ እዩ።


መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ።


ስቕ ኢልካ እህህ በል፤ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፤ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፤ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፤ ከናፍርካ ኣይትሸፍን፤ እንጀራ ሕዙናትውን ኣይትብላዕ።”


እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር።


እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ሰብ፥ ስርየት ሓጢኣት ዘስተስሪ ይኹን። ብሃሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ እሞ፥


እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ።


ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፤ ምእንቲ ኽቕድሶ ኸዓ ቐብኦ።


ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ሕነ የድሕኖ፤ ናብታ መዕቘቢት ክትኮኖ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ድማ ይምለሶ። እቲ ብቅዱስ ቅብኢ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይፅናሕ።


እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ።


ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ ቐዲዱ “እንሆ ይፃረፍ ኣሎ፤ ፀርፉውን ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንታይ ምስክር የድልየና እንታይከ ትብሉ?” በለ። ንሳቶም ከዓ “ሞት ይግብኦ!” ኢሎም መለሱሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos