1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ነቶም ደቂ ኣሮን ካህናት ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ኻህን ሓደ ኻብ ህዝቡ እንተ ሞተ ኣብ ቀብሪ ብምስታፍ ኣይርከስ፤
“ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ሬሳ ሰብ ኣብ ዘለዎ ኣይእቶ፤ ሬሳ ኣቦኡን እኖኡን ብምንካእ ድማ ኣይርከስ።
ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ።
እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኵሉ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ዝነኽአ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
“ሰብ ኣብ ድንኳኑ እንተ ሞተ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
“ኣብ በረኻ ብሰይፊ ዝተቐትለ ወይ ብሕማም ዝሞተ ወይ ዓፅሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝነኽአ ዅሉ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን።
ሕማም ለምፂ ንዘለዎ ዅሉን፥ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ንዝፈስሶ ዅሉን፥ ሬሳ ብምንካእ ንዝረኸሰ ዅሉን፥ ካብ ሰፈር ከውፅእዎ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ።