8 ሕግጋተይ ሓልዉ፤ ፈፅምዎውን፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሰንበታተይ ኣኽብሩ። ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እዚኣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹም መለለዪ ትኹንኩም።
ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።
መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ምስ ኮነ፥ እቶም ኣህዛብ እቲ ንእስራኤል ዝቕድስ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
ሕግጋተይ ሓሉ፤ ንሓደ እንስሳ ምስ ካልእ ዓይነት እንስሳ ኣይተዳቕል። ኣብ ግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን።
እምበኣርከስ ኵሉ ሕግጋተይን ኵሉ ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ፤ ናተይ ክትኮኑ ኸዓ ኻብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።
ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።
ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ ይዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ?
እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ፥ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈፀመ ዝምህር ግና፥ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።
“ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል።
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ።
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።