6 ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ።
እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል።
“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።
ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
“ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ።
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ።
ምስ ደሙ ዘሎ ስጋ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቍሉ፤ ኣይተማርቱውን።
ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።
እቲ ሰብ እቱይን ስድራኡን ብኣይ ፅሉኣት ክኾኑ እዮም። ንእኡን ነቶም ንኣይ ጠሊሞም ንሞሎኽ ከምልኹ ዝስዕብዎ ዅሎምን ካብ ህዝቦም ፈልየ ኸጥፍኦም እየ።
እዝ ዘፈር እዙይ ድማ መዘከሪ ክኾነኩም እዩ። ነዙይ እናረአኹም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክትዝክሩን ክትእዘዝዎን ኢኹም። ሽዑ ኻብኡ ርሒቕኩም ከም ትምኒት ልብኹምን ድሌት ዓይንኹምን ኣይትኸዱን ኢኹም።
ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።