7 ቍርባንካ ኣብ ቝራዕ ዝበሰለ ቝርባን እኽሊ እንተ ኾይኑ፥ ብልሑም ሕሩጭን ብዘይትን ይገበር።
ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ።
ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ።
ነቲ ኻብዝ ነገርዙይ ዝተገብረ ቝርባን እኽሊ ናብ እግዚኣብሄር ኣምፅኣዮ፤ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፤ ንሱ ኸዓ ናብ መሰውኢ የቕርቦ።
ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።