3 እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
እቲ ሓቴርሰታም ኸዓ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ንእግዚኣብሄር ዝጥይቕ ካህን ክሳዕ ዝትስእ ካብ ዝተቐደሰ ኣይትብልዑ በሎም።
እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ።
ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።
ንሱ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ንምቕዳስ፥ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ከየውፅእዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደልን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዘብስሉሉ፥ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክቱሉ ቦታ እዙይ እዩ” በለኒ።
ምስ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከዓ ነቲ ዝቐርብ እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብ የምፅእዎ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ዝነብር ግቡእ ይኹን” በሎም።
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ።
እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ።
ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።
እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ።
ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።
እቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ ፍፁም ቅዱስ መባእ ንኣኻ ይኹን። እቲ ዘቕርቡለይ ፍፁም ቅዱስ ዝኾነ ዅሉ መባኦም፥ ኵሉ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን፥ ኵሉ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቶምን ንኣኻን ንደቅኻን ዝተቐደሰ ይኹን።
ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ።