Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 19:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ንኣይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ክትስውኡለይ እንተለኹም ደስ ከም ዘብለኒ ጌርኩም ሰውኡለይ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 19:5
16 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።


ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ።


“እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ።


እቲ ሓለቓ ከዓ፥ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወፃኢ ኽኣቱ፥ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ፤ ካህናት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፤ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፥ ድሕሪዙይውን ክወፅእ እዩ፤ እታ ደገ ግና ኽሳዕ ምሸት ኣይትዕፆን እያ።


እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።


ናብ ጣዖታት ኣይተግልሱ፤ ብፍሲ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ድማ ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።


በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል።


ምእንቲ ቕቡል ክኾነሉ፥ ካብ ኣብዑር ኮነ ኻብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ።


ዝኾነ ሰብ ድማ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ ከፍቲ ኾነ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ከቕርብ እንተሎ ቕቡል ምእንቲ ክኾነሉ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን።


ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ።


መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።


እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ።


ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos