10 ቀሪም ወይንኻውን ኣይትቐርም። ነቲ ዝወደቐ ቐሪም ከዓ ኣይትእረዮ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”
ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ?
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝወሳወስ ኵሉ ለመም ዝብል ሰብነትኩም ኣይተርክሱ።
ኣይትስረቕ፤ ኣይትኽሓድ፤ ንስንሳትኩም ሕሶት ኣይትነጋገሩ።
ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
እኽልኻ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ ነቲ ደረት ግራትካ ፈፂምካ ኣይትዕፀዶ። ነቲ ቐሪም ዓፂድካ ኣይትቐርም።
ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
እታ ምድሪ በታ ዓመት እቲኣ እንተ ዘይተሓርሰት እኳ ንኣኻን ንኣገልጋሊኻን ንኣገልጋሊትካን ንዕሱብካን ግዙእኻን ንግዝእትኻን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ክትህብ እያ።
ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥ ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥ ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን? ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን? ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!
ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩምስ፥ እኽልኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕኹም፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፥ ክትወስድዎ ኣይትመለሱ።
ፍረ ኣውሊዕኹም ክተርግፉ እንተለኹም፥ መሊስኩም ኣብ ጨንፈር ዘሎ ኣይትእረዩ፤ ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
ወይንኹም ክትቅንጥቡ እንተለኹምውን፥ መሊስኩም ኣይትቐርምዎ። ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን?
እታ ሞኣባዊት ሩት ድማ ንኑሓሚን “ዝፈቕደለይ በዓል ግራት እንተ ረኸብኩስ ከይደ ኽቕርም” በለታ። ኑሓሚን ከዓ “ጓለይ ኪዲ” በለታ።