9 ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ርኽሰት ገበረ፤ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፤ ሓደ ኻሊእውን ኣባኺ ንሓፍቱ፥ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ።
ናይ ጓል ወድኻ ወይ ናይ ጓል ጓልካ ሕፍረት ስጋ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ስጋኻ እዩሞ።
ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ።
ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።
ብኣቦ ኾነ ብእኖ ሓፍቱ ምስ ዝኾነት ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።