7 ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት እኖኻን ኣይትቕላዕ፤ እኖኻ እያ እሞ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፤ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ምስኡ ንደቅስ” በለታ።
ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ቐልዑ፤ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም ፅገኣ ኣዋረዱ።
ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ።
ሓደ ሰብ፥ ንኖኣን ንጓላን እንተ ኣእተወን፥ እዙይ ርኽሰት እዩ እሞ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይቃፀሉ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ ማእኸልኩም ኣይረኸብ።
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፥ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።