5 ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ እዝ ዅሉ ኣነ ዝዛረበካ፥ ንንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንገሮ” በሎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
ብሕግጋተይ እንተ ተመላለሰ፥ ፅድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፥ ንሱ ፃድቕ እዩ፤ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።
ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን።
ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።
ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።
ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ።
እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።
ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ህይወትኩም እዩ እሞ፥ ኣብታ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽህበኩም እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ቃሉ ድማ ስምዑ፤ ናብኡውን ቅረቡ።”
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።