3 ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብፂ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነዓን ድማ ኣይትግበሩ፤ ብስርዓቶም እውን ኣይትንበሩ።
ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ።
እኳ ደኣ ምስ ኣህዛብ ተሓዋወሱ፤ ተግባራቶምውን ተምሃሩ።
ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን፤ ከምቲ ዝገብርዎ ኸዓ ኣይትግበር። እኳ ደኣ ኣጥፍኣዮም፤ ነቲ ቕዱስ ዝብልዎ ናይ ኣምልኾ እምኒ ኣዕምዶም ከዓ ሰባብሮ።
ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን።
ብልማድ እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፤ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበሩ እየ ዝፈንፈንክዎም።
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
“ንኣምላኽኩም ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ስራሕ ኣይትስርሑ።
እቲ ኣብኣቶም ዝነበረ ብዕንፀይትን ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ዘፀይፍ ጣዖታቶም ረአኹም።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም ድማ፥ ብልብኹም ‘ፃድቃን ብምዃንና እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽንወርሳ ኣእተወና’ ኣይትበሉ። እግዚኣብሄር ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ ኽፉኣት ብምዃኖም እዩ።