12 ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ።
ሕፍረት ሓፍቲ እኖኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ እኖኻ እያ።
ናይ ሓፍቲ እኖኻን ወይ ናይ ሓፍቲ ኣቦኻን ሕፍረት ኣይትቕላዕ። እዙይ ዝገብር ናይ ቀረባ ዘመድ ሕፍረት ቀሊዑ እዩሞ፥ ክልቲኦም ሓጢኣቶም ክስከሙ እዮም።