8 ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፥
ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ።
ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ደጊም ደቂ እስራኤል ነቶም ከምልኽዎም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሕሩድ መስዋእቲ ኣይሰውኡ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።
ንእግዚኣብሄር ክስውኦ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
መስዋእቱ ጡበት በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እቶም ዝተረፉ ደቂ እስራኤል ከዓ “እንሆ፥ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ምድሪ ከነዓን፥ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም” እንትበሃል ሰምዑ።
ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ናብታ ምድሪ ገለዓድ መፂኦም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦
ኵሉ ማሕበር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ከምዙይ ጌርኩም ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕኹም? ከመይ ጌርኩምከ ኻብ እግዚኣብሄር ረሓቕኩም? ሎሚ መሰውኢ ብምስራሕኹም ንኣምላኽ እስራኤል በደልኩም።
ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ።
“ቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ፤ እንሆ ኸዓ ኣነ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ፥ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ኽስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መፂአ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ ግና ሸውዓተ መዓልቲ ኽትፀንሕ ኢኻ።”
ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ። እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል።
ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ጡቦት በጊዕ ወሲዱ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ምእንቲ እስራኤል ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ።