Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 17:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ በረኻ ኽስውእዎ ዝሓርድዎ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእዎ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 17:5
20 Referencias Cruzadas  

ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ።


ኣብርሃም ድማ ግልፅ እንተበለ፥ እንሆ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሃረግ ዝተትሓዘ በጊዕ ረአየ። ከይዱ ድማ ነቲ በጊዕ ወሲዱ፥ ክንዲ ወዱ ይስሓቅ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኦ።


እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።


ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ።


ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ።


ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ።


ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ይፈትዎ ነበረ፤ ብስርዓት ኣቦኡ ዳዊትውን ይኸይድ ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።


ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።


ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ።


ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽትን፥ ኣብ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።


ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ።


ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።


ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።


እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።


እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን የቃፅሎ።


እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos