3 ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ፥ ወይ ጡበት በጊዕ ወይ ጤል ኣብ ሰፈር፥ ወይ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ንመስዋእቲ ኢሉ እንተ ሓረደ፥
ክሳዕ እቲ እዋን እቱይ ገና ብስም እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ጥራሕ ይስውእ ነበረ።
ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን።
ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዙይ እዩ።
ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፥
ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።