2 ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዙይ እዩ።
ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ፥ ወይ ጡበት በጊዕ ወይ ጤል ኣብ ሰፈር፥ ወይ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ንመስዋእቲ ኢሉ እንተ ሓረደ፥
ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይተቕርቡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።