12 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ።
ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”
ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ።
ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ።
ነፍሲ ወከፍ ከዓ ፀፅንሃሁ ወሰደ፤ ሓዊን ዕጣንን ድማ ገበረሉ፤ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኣብቲ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው በሉ።
ሙሴ ኸዓ ንኣሮን “ካብ እግዚኣብሄር፥ ቍጥዓ ወሪዱ፥ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፥ ፅንሃህካ ወሲድካ ኻብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፤ ዕጣን ከዓ ኣእትወሉ፤ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ህዝቢ ኺድ እሞ፥ ሓጢኣቶም ኣስተስርየሎም” በሎ።
ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።