11 ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ።
ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ።
ነቲ ቕድስተ ቅዱሳንን፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ መሰውእን የንፅሃዮ፤ ንኻህናትን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ የስተስርየሎም።
ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ።
ሙሴ ድማ ንኣሮን “ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትኻን ዝቃፀል መስዋእትኻን ሰውእ፤ ንርእስኻን ነቲ ህዝብንውን ስርየት ኣስተስሪ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ናይ ህዝቢ ቝርባን ኣቕርብ። ሓጢኣቶምውን ኣስተስርየሎም” በሎ።
ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።