10 እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ።
ኣሮን ድማ ሓደ ዕፃ ንእግዚኣብሄር፥ ሓደ ዕፃ ኸዓ ንዝልቀቕ ክኸውን ነቶም ክልተ ዲበላታት ዕፃ የውድቐሎም።
ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።
ክርስቶስ ንህይወቱ ቤዛና ስለ ዘሕለፈ፥ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣሕዋትና፥ ህይወትና ቤዛ ኽነሕልፍ ይግብአና እዩ።