7 ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
ካብቶም ንመብልዕ ዝኾኑኹም እንስሳ እንተ በኸተ፥ እቲ ነቲ ገምቡ ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ።
ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”