Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 15:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 15:5
31 Referencias Cruzadas  

ኣእዳወይ ብንፅህና እሓፅብ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤


ካብ በደለይ ፈፂምካ ሕፀበኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ኣፅርየኒ።


ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ።


ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ።


እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።


ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ኸናግፈኩም፥ ንእኽሊ ኽፅውዖን ከብዝሖን እየ፤ ድሕሪዙይውን ጥሜት ኣየምፅአልኩምን እየ።


እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።


ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።


ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።


ካብዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ፥ ዝኾነ ዝስርሖ ኣቕሓ፥ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኾነ፥ ወይ ክዳን፥ ወይ ጕኖ፥ ወይ ከረጢት፥ ረኺሱ እዩ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ድማ ይነፅህ።


ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይመርምሮ፤ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይሰፊሑ፥ ካብቲ ቘርበት እውን ዓሚቑ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ እሞ ይንፃህ።


ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን መሊሱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሊ እንተ ፋሕሸወ፥ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ቝስሊ ሽሕር እዩ እሞ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ቝሱል ከዓ ኽዳውንቱ ሓፂቡ ይንፃህ።


እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።


ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።


እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ።


ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።


ነቲ ንምልቃቕ ዝኸውን ዲበላ ዝወሰደ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።


እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።


ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን።


ሓሙዅሽቲ እታ ዓርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኸውን። እዙይ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ጓናን፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ዝነብር ሕጊ እዩ።


ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”


ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።


ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!


ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።


ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።


ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።


ሳኦል ግና “ዝኾነ ረኺብዎ እዩ ንፁህ ኣይኮነን፤ ብርግፅ ንፁህ ኣይኮነን እዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈፂሙ ኣይተዛረበን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos