4 እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ።
እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ።
ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ።
ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።
ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤
ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን።