10 ኣብ ትሕቲ ኮፍ ዝበለሉ ንዝነበረ ዅሉ ነገር ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዙይ ዘልዓለ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
ኣእዳወይ ብንፅህና እሓፅብ ኣለኹ፤ ኦ ጐይታ ንመሰዊዒኻውን እዞሮ ኣለኹ፤
እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።
እቲ ሰብኣይ ኢዱ እንተይተሓፅበ ዝነኽኦ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ።
እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
ንሱ ዝተቐመጦ ዝኾነ ኾረቻ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”
ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።