Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 14:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 14:4
11 Referencias Cruzadas  

ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።


ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።


እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ።


ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።


ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ።


ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ።


ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።


ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።


እቲ ኻህን ድማ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፥ ናብ ማእኸል እታ ዓርሒ እትቃፀለሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።


ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos