2 ብመዓልቲ ምንፃህ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝፍፅሞ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ናብ ካህን የምፅእዎ።
ኣብ ክዳን ፀጕሪ ወይ ኣብ ክዳን ሃሪ ወይ ኣብ ቅጥኒ፥ ወይ ኣብ ፋእሚ፥ ወይ ኣብ ዝኾነ ብቘርበት ዝተሰርሐ ኣቕሓ፥ ዘሎ ሕማም ለምፂ፥ ንፁህ ምዃኑ ወይ ዝረኸሰ ምዃኑ ንምንጋር ዘኽእለካ ሕጊ እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥
ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ።
ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም፥ “ኪዱ፥ ንባዕልትኹም ንኻህን ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ።